ኣ-ካሳ ይግበኣካ ድዩ?

ኣ-ካሳ ክትወስድ ከተማልኦ ዘለካ ዝትወሰነ ቅጥዒታት ኣሎ።

እንተወሓደ ን 6 ኣዋርሕ ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ።

ኣ-ካሳ ንኽወሃበካ፡ ስራሕ ደው ቅድሚ ምባልካ፡ ሓደ ካብዚ ዝስዕብ ቅጥዒታት እተማላእ ክትከውን ኣለካ።

  • ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ፡ እንተወሓደ ን 6 ኣዋርሕ ኣብ ነፊስ-ወከፍ ወርሒ እንተወሓደ 60 ሰዓታት ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ።
  • ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ተኸታተልቲ ኣዋርሕ እንተወሓደ 420 ሰዓታት ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ። መጠን እትሰርሖ ሰዓታት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ እንተወሓደ 40 ሰዓታት ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ውሽጢ`ዛ ዝሓለፈት ዓመት ዕረፍቲ-ወላዲ ወይ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝወሰድካ ወይ ውን ምሉእ ሰዓት ክትመሃር ዝጸናሕካ ምስእትኸውን፡ ኲነታት ርኢና፡ ነዊሕ እዋን ዘሕለፈ ስራሕ ከም ምርኩስ ክንወስዶ ንኽእል ኢና።

ቅድሚ ሕጂ ኣ-ካሳ ወስዲካ ትፈልጥ ዲኻ?

ቅድሚ ሕጂ ኣ-ካሳ ምውሳድ ጀሚርካ ዝነበርካ ምስእትኸውን፡ ዝተረፈ መዓልታት ምስዝህልወካ፡ ክማላእ ዝግብኦ ነገራት እተማልእ ምስእትኸውን፡ ነቲ ተረፍ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ዝተረፈካ መዓልታት ንምውሳድ ግን፡ ካብታ መወዳእታ ኣ-ካሳ ዝወሰድካላ ግዜ፡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ዝሓለፈ ክኸውን የብሉን።

ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ዝሓለፈ ምስዝኸውን ግን፡ ቅጥዒታት ኣ-ካሳ ከምብሓድሽ ከተማልእ ከምኡ ውን ኣ-ካሳ ንኽወሃበካ ከምብሓድሽ ከተመልክት ኣለካ። ዕረፍቲ-ወላዲ ወይ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ወሲድካ ዝነበረካ ወይ ውን ምሉእ-ሰዓት ክትመሃር ዝጸናሕካ ምስእትኸውን ግን፡ኣ-ካሳ ካብ እትወስድ ልዕሊ ዓመት ዘሕለፍካ ምስእትኸውን ውን ኲነታት ተራእዩ፡ ዝተረፈ መዓልታት ኣ-ካሳ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ክትውከሰና ትኽእል ኢኻ።

ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ዕረፍቲ-ወላዲ ከምኡ ውን ናይ ሕማም ዕረፍቲ ንዝወሃበካ ገንዘብ ኣ-ካሳ ይጸልዎ እዩ

ኮርስ ክትመሃ ወይ ውሱን ሰዓታት ምስራሕ ምስእትጅም ከምኡ ውን ዕረፍቲ-ወላዲ ወይ ውን ናይ ሕማም-ዕረፍቲ ምስእትወስድ፡ንዝወሃበካ ገንዘብ ኣ-ካሳ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርዝር ኣብ ትሕቲ`ቲ ኣየናይ ሕግታት`ዩ ዘገልግል Länk till annan webbplats. ዝብል ኣርእስቲ ምንባብ ይከኣል እዩ። Länk till annan webbplats.

 

Dela:

Senast uppdaterad:

Senast uppdaterad:

Dela: