ገንዘብ መዓስ እዩ ዝኽፈለካ?

ኣብ መርበብ-ሓበሬታና፡ ኣብቲ Viktiga datum ዝብል ኣርእስቲ ብምጥዋቕ፡ ጉዳይ ንምርኣይ ክንደይ ዝኸውን ግዜ ይወስድ ምህላዉ ከተንብብ ትኽእል።

ጉዳይካ መዓስ`ዩ ተራእዩ ዝዛዘም?

ነፍሲ-ወከፍ ጉዳይ ንምርኣዩ ዝተፈላለየ ንውሓት ግዜ ክወስድ ይኽእል። ስለዝኾነ ኸኣ ጉዳይካ ብልክዕ ኣብዛ ዕለት`ዚኣ ክዛዘም`ዩ ክንብለካ ኣጸጋሚ ኮይኑ ንረኽቦ።

ነቲ ዝመጸና ገንዘብ ኣ-ካሳ ንምርካብ ዝዓለመ ምልክታታት ከከም ኣመጻጽኡ ኢና ክንርእዮ እንጅምር። ጉዳይካ ክንርእዮ ምስጀመርና ኸኣ፡ብመገዲ ሚና-ሲዱር ወይ ውን ደብዳበ ብምልኣኽ ንሕብረካ። ምልክታኻ ድሕሪ ምልኣኽካ፡ ዝኾነ ደሃይ ዘይገበርናልካ ምስእንኸውን፡ ጉዳይካ ክንርእዮ ኣይጀመርናን ኣለና ማለት እዩ። ኣብ ዋና-ገጽ መርበብ-ሓበሬታና ብምእታው፡ ጉዳያት ንምርኣይ ክንደይ ዝኸውን ግዜ ይወስድ ከምዘሎ ከተንብብ ትኽእል።

ከምዚ ዝስዕብ ምስእትገብር፡ ጉዳይካ ብቕልጡፍ ክንርእዮ ትሕግዘና

  • ነቲ ገንዘብ ንኽወሃበካ እትመልኦ መመልከቲ-ቅጥዒ ጥንቅቕ ኢልካ ምልኣዮ።
    ኣብ ዝሓለፋ 13 ኣዋርሕ እንታይ ከምዝገበርካ ንጹር ሓበሬታ ክትህበና ኣለካ።
  • ኣብ ሚና-ሲዱር እቲ ኣብ göra-lista ተዘርዚሩ ዝርከብ ክትልእከልና ዝተሓተትናካ ሓበሬታ፡ ብሙሉኡ ክትልእከልና ኣለካ
    ጉዳይካ ክንርእዮ ምስጀመርና፡ ከተስዕበልና ዝግባእ ሓበሬታ ምስዝህሉ፡ ብመገዲ ሚና-ሲዱር መእኽቲ ክንሰደልካ ኢና።
  • እዋናዊ-ጸብጻብካ ኣብ እዋኑ ልኣኽ
    እዋናዊ-ጸብጻብ ከይሰደድካልና፡ ውሳነ ክንወስድ ኣይንኽእል ኢና። ዋላ ውን ንጉዳይካ ዝምልከት ውሳነ ገና ዘይወሰና ምስእንኸውን፡ ሰሙናዊ እዋናዊ-ጸብጻብ ክትልእኽ ኣለካ።
  • ምቅይያራት ምስዘጋጥም፡ ክትሕብረና ኣለካ
    ምቅይያራት ከጋጥም እንከሎ፡ ንኣብነት ስራሕ ምስእትረክብ፡ ዕረፍቲ-ወላዲ ምስእትወስድ ወይ ውን ትምህርቲ ምስእትጅምር ክትሕብረና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
  • ሓደ ዓይነት ምስክርነት ወረቐት ወይ ሰነድ ደጋጊምካ ኣይትልኣኽ
    ሓደ ዓይነት ምስርክርነት-ወረቐት ወይ ሰነድ ደጋጊምካ ምስእትልእኮ፡ ጉዳይካ ክደናጐ ክገብር ይኽእል እዩ።
  • ምስክርነት ወሃቢ-ስራሕ ምልኣኽ ኣይትረስዕ
    ንወሃቢ-ስራሕ፡ ነቲ ዝሰራሕካዮ እዋን ዝምልከት ምስክርነት ክህበካ ክትሓቶ ኣለካ። እቲ ምስክርነት ወሃቢ-ስራሕ ነተን ኣብ ስራሕ ዝነበርካየን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ዝምልከት ጸብጻብ ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ።

    ወሃቢ-ስራሕ ነቲ ምስክርነት ብኤለክትሮኒካዊ መልክዕ ምስዝልእኮ፡ንስኻ ብኤለክትሮኒካዊ-ኣይዲ ጌርካ ከምዝተቐበልካዮ ቅድሚ ምርግጋጽካ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ምስክርነት ወሃቢ-ስራሕ ኣብ ሚና-ሲዱር ኣብ ትሕቲ "Nya arbetsgivarintyg" ዝብል ኣርእስቲ ትረኽቦ።

Dela:

Senast uppdaterad:

Senast uppdaterad:

Dela: