እዋናዊ-ጸብጻብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ትመልኦ

ኣ-ካሳ ንኽወሃበካ፡ ሰሙን-ሰሙን እዋናዊ-ጸብጻብ ክትልእኽ ኣለካ። እዋናዊ ጸብጻብ ኣብ ኢ-ሸንስቲ ኣብ ሚና-ሲዱር Länk till annan webbplats. ኣቲኻ ኢኻ ትመልኦ።

ከምዚ ዝስዕብ ግበር

መጀመርያ ጸብጻብካ ናይ ኣየናይ ሰሙን ምዃኑ ንምንጻር፡ ሰሙን ምረጽ። ኣብተን መዓልታት ሰሙን፡ እንታይ ከምዝገበርካ ንምጽብጻብ፡ካብቲ ዘሎ ምርጫ ምስ ኲነታትካ ዝኸይድ ኣማራጺ ምረጽ። ንቐዳምን ሰንበትን ከይተረፈ ጸብጻብ ክትገድፍ ኣለካ።

ካብዚ ዝስዕብ ኣማራጺታት ሓደ ክትመርጽ ትኽእል

  • ስራሕ-ኣልቦ
  • ስራሕ
  • ዕረፍቲ
  • ክሰርሕ ኣይክእል እየ
  • ሕማም/ምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ/ዕረፍቲ-ወላዲ

ኣብ ዝቕጽል፡ ጸብጻብካ ድሕሪ ምቊጽጻር ክትልእኮ ትኽእል።

ኣብ ዝቕጽል፡ ስራሕ፡ ዕረፍቲ፡ ሕማም፡ ምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ ከምኡ ውን ዕረፍቲ-ወላዲ ክንብል እንከለና እንታይ ምዃኑ፡ መብርሂታት ኣቕሪብና ኣለና።

ቅኑዕ ሓበሬታ ምምላእ ኣገዳሲ እዩ

እዋናዊ-ጸብጻብካ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝሓዘ ክኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንዝወሃበካ ገንዘብ ክጸሉ ዝኽእል ግጉይ ሓበሬታ ምስእትልእኽ ወይ ውን ኮነ ኢልካ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምስእተትርፍ፡ ዝተዋህበካ ገንዘብ ክትመልስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዝምልከት ዝኾነ ዘይነጸረልካ ነገር ምስዝህሉ፡ተወከሰና። ክንሕግዘካ ድሉዋት ኢና።

ትሰርሕ ምስእትህሉ

ውሱን ሰዓታት ትሰርሕ ኣለኻ ዲኻ?

ውሱን ሚእታዊት ወይ ውን ኣብ ሰሙን ውሱን ሰዓታት እትሰርሕ ምስእትኸውን፡ ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብ ስራሕ ከምዘለካ ክትጽብጽብ እንከለኻ፡ ብሚእታዊት ከተስፍሮ ትኽእል። ባህሪ ሰዓታት ስራሕካ ተለዋዋጣይ ምስዝኸውን ውን፡ ሰሙናዊ ብሚእታዊት ክትጽብጽቦ ትኽእል። ነቲ ሚእታዊት ኣብቲ "Anställningens omfattning" ዝብል ኢኻ እትመልኦ። ልዕሊ`ቲ ቀዋሚ ዝኾነ ሚእታዊት ተወሳኺ እትሰርሕ ውን ምስእትኸውን፡ነቲ ሚእታዊት ከምኡ ውን እቲ ተወሳኺ ሰዓታት ክትመልኦ ኣለካ። ብገለ ምኽንያት፡ ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም፡ ክትሰርሕ ዘይከኣልካ ምስእትኸውን፡ ኣብ ጸብጻብካ ከተስፍሮ ኣለካ።

ብሰዓታት ተቖጺርካ እትሰርሕ ምስእትኸውን፡

ክደልዩኻ እንከለዉ እንዳጸውዑ ሕልፍ-ሕልፍ ኢልካ ብሰዓታት ተቖጺርካ እትሰርሕ ምስእትኸውን፡ ዝሰራሕካዮ ሰዓታት በብመዓልቱ ኣብ ጸብጻብካ ከተስፍሮ ኣለካ። ክንደይ ምሉእ ሰዓት ከምኡ ውን ክንደይ ፍርቂ-ሰዓት ሰሪሕካ ትጽብጽብ።

ከም ተረኛ ወይ ድሉው ኴንካ ምጽናሕ ዝሓትት ስራሕ፡እትሰርሕ ምስእትኸውን?

ከም ተረኛ ወይ ኣብ ተጠንቀቕ ተቐሪብካ ክትጸንሕ ዝሓትት ስራሕ እትሰርሕ ምስእትኸውን፡ እቲ ኣብ ከምዚ እተሕልፎ ግዜ ከም ሰዓታት ስራሕ ስለዝቊጸር፡ኣብ ጸብጻብካ ምሉእ ሰዓታት ኣስፍር። እዚ፡ ምድቃስ ዝፍቀዶ ስራሕ ከይተረፈ ዝምልከት እዩ። እቲ ከም ተረኛ ዄንካ እትሰርሓሉ ሰዓታት፡ኣብቲ ዘለካ ሚእታዊት ስራሕ እቱው ምስዝኸውን፡ብሰዓታት ክትጽብጽቦ ኣየድልየካን እዩ። ነዚ ዝምልከት ዝኾነ ዘይነጸረልካ ነገር ምስዝህሉ፡ተወከሰና። ክንሕግዘካ ድሉዋት ኢና።

ብኸፊል ከም ኣጥፋኣይ-ሓዊ እትሰርሕ ምስእትኸውን?

ብኸፊል ከም ኣጥፋኣይ-ሓዊ እትሰርሕ ምስእትኸውን፡ ነቲ ሞያ ዝምልከት ፍሉይ ሕግታት ስለዘሎ፡ ኣብ ተዳሎ ከምኡ ውን ልምምድ እተሕልፎ ሰዓታት ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብካ ከተስፍሮ ኣየድልየካን እዩ። እቲ ኣብ ስራሕ ምጥፋእ ሓዊ ከምኡ ውን ክንክን ንብረት እተጥፍኦ ሰዓታት ስራሕ ግን፡ ከም ተወሳኺ ስራሕ ክርአ ዝተቐበልናዮ ምስዘይከውን፡ ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብካ ከተስፍሮ ኣለካ። ነዚ ዝምልከት መብርሂ ምስዘድልየካ፡ክትውከሰና ትኽእል ኢኻ።

ዕረፍቲ

ዝኣከብካዮ መዓልታት ዓመታዊ-ዕረፍቲ ስራሕ ምስዝህልወካ፡ ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብካ ኣብቲ ”Semester” ዝብል ሳጹናት ብምምላእ ክትጽብጽቦ ትኽእል። ንውስን ዝበለ ተኸታታሊ መዓልታት ዕረፍቲ ምስእትወስድ፡እተን መዓልታት ዕረፍቲ ከምዝወሰድካ በብሓደ ኣብ ጸብጻብካ ከተስፍረን ኣለካ። እተን ብመሰረት ውጥን-ስራሕካ ዕረፍቲ ዝኾንካለን መዓልታት ከይተረፈ፡ ኣብ ግምት ከተእትወን ኣለካ።

ብሰዓታት ተቖጺርካ ካብ እትሰርሓሉ ስራሕ ምስእተዕርፍ፡ ኣብቲ ”Kan inte ta arbete” ኢኻ ጸብጻብካ እተእቱ።

ክሰርሕ ኣይክእል እየ

ብገለ ምኽንያት ንስራሕ ቅሩብ ምስዘይትኸውን፡ ነዚ ኣማራጺ ትመርጽ። ንኣብነት፡ ብሰንኪ መገ ከምኡ ውን ውላድካ ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ዘይረኸበ ምስዝኸውን። ሓገዝ ንጥፈታት እትወስድ ምስእትኸውን ወይ ውን ኣ-ካሳ እንዳወሰድካ ክትመሃር ዘይፈቐድናልካ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ምስእትህሉ፡ነዚ ምርጫ ክትመርጾ ትኽእል።

ሕማም

ዝሓመመ ሰብ ክሰርሕ ስለዘይክእል፡ ገንዘብ ኣ-ካሳ ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብ ሓሚምካ ከምዘለኻ ክትሕብር ኣለካ። ነቲ sjuk/VAB/föräldrapenning ዝብል ዘለዎ ሳጹን ተጠቂምካ፡ ገለ ክፋል መዓልቲ ወይ ውን ምሉእ መዓልቲ ዲኻ ሓሚምካ፡ ብንጹር ኣስፍሮ። ብድሕሪ፡ዚ፡ ካብ ወሃቢ-ስራሕካ ወይ ውን ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን ኢኻ ነዘን ሓሚምካለን ዝነበርካ መዓልታት ዝምልከት ገንዘብ ንኽወሃበካ እትሓትት።

ዕረፍቲ-ወላዲ ከምኡ ውን ዝሓመመ ህጻን ንምእላይ ዝውሰድ ዕረፍቲ

ዕረፍቲ-ወላዲ ዝወሰደ ወይ ዝሓመመ ህጻን ኣብ ምእላይ ዝርከብ ሰብ፡ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ጸብጻብካ ህጻን ኣብ ምእላይ ተጸሚድካ ከምዝነበርካ ክትሕብር ኣለካ። ነቲ sjuk/VAB/föräldrapenning ዝብል ዘለዎ ሳጹን ተጠቂምካ፡ ገለ ክፋል መዓልቲ ወይ ውን ምሉእ መዓልቲ ዲኻ ዕረፍቲ ወላዲ ወሲድካ ወይ ውን ዝሓመመ ህጻን ኣሊኻ፡ ብንጹር ኣስፍሮ። ብድሕሪ`ዚ ካብ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን ኢኻ ነተን ዘዕረፍካለን መዓልታት ዝምልከት ገንዘባዊ ሓገዝ ንኽወሃበካ እተመልክት።

ብመገዲ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ኣብ ናይ ዕዳጋ-ስራሕ ፕሮግራም ትሳተፍ ምስእትህሉ?

ብመገዲ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ኣብ ሞያዊ-ትምህርቲ ወይ ውን ኣብ ናይ ዕዳጋ-ስራሕ ፕሮግራም ክትሳተፍ እንከለኻ፡ እዋናዊ-ጸብጻብ ምልኣኽ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ክንዲ ኣ-ካሳ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን ሓገዝ-ንጥፈታት ንኽወሃበካ ከተመልክት ኣለካ። እቲ እትሳተፎ ፕሮግራም ኣብ ፍርቂ ሰሙን ዝጅምር ወይ ውን ዝዛዘም ምስዝኸውን፡ ነተን ኣብቲ ፕሮግራም እትሳተፈን መዓልታት፡ ”Kan inte ta arbete” ኢልካ ተስፍረን።

Dela:

Senast uppdaterad:

Senast uppdaterad:

Dela: