ንእዋናዊ-ጸብጻብ ዝምልከታ 6 ልሙዳት ጌጋታት

ገለ-ገለ እዋናት እዋናዊ-ጸብጻብ ክትመልእ እንከለኻ፡ ጌጋ የጋጥም። ነቶም ብተደጋጋሚ ዘጋጥሙ ጌጋታት ዝምልከት ዝርዝር ኣዳሊና ኣለና።

ነቶም ልሙዳት ጌጋታት እዋናዊ-ጸብጻብ ኣወግዶም

እቲ ብልክዕ ዝግበኣካ መጠን ገንዘብ ክንከፍለካ መታን፡ እዋናዊ-ጸብጻብካ ብልክዕ ክትመልኦ ኣለካ። እዚ ዝስዕብ፡ 6 ልሙዳት ጌጋታት ዘካተተ ዝርዝር እዩ፡

ከም ተረኛ ኴንካ ዝሰራሕካዮ ሰዓታት ኩሉ ዘይምጽብጻብ

ከም ተረኛ ኴንካ ዝሰራሕካዮ ሰዓታት፡ ከም ስራሕ ስለዝቚጸር ክጽብጸብ ኣለዎ። ደቂስካ እንከከኻ ዝቚጸረልካ ሰዓታት ስራሕ ዋላ ውን ክፍሊቱ ትሑት ዝኾነ ከምዚ ዓይነት ሰዓታት ስራሕ።

ዕረፍቲ-ወላዲ ከምኡ ውን ዝሓመመ ህጻን ንምእላይ ዝውሰድ ዕረፍቲ ዘይምጽብጻብ

ዕረፍቲ ወላዲ ምስእትወስድ ወይ ዝሓመመ ህጻን ንምእላይ ምስእተዕርፍ፡ኣ-ካሳ ኣይወሃበካን እዩ። ኣብ ክንዲ ኣ-ካሳ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት ኢኻ ገንዘባዊ-ሓገዝ ክትሓትት ዘለካ። እተን ዕረፍቲ ወላዲ ዝወሰድካለን ወይ ዝሓመመ ህጻን ንምእላይ ዘዕረፍካለን መዓልታት ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብካ ኣመልክተለን ኢኻ።

ዝሰራሕካዮ ሰዓታት ኣጒዲልካ ወይ ኣዛይድካ ምጽብጻብ

ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋናዊ-ጸብጻቦም ነቲ ዝሰርሕዎ ሰዓታት ብጌጋ የቐምጥዎ ወይ ውን ነቲ ጸብጻብ ስራሕ ኣብ ካልእ ወይ ጌጋ ሰሙን የስፍርዎ። ልክዕ ዘይኮነ ገንዘብ ንኸይወሃበካ፡ ዝሰራሕካዮ ሰዓታት ኣብ ልክዕ መዓልታቱ ክትጽብጽቦ ኣለካ።

ኣብ ክንዲ ሚእታዊት ሰዓታት ምምላእ

ብሚእታዊት ክግለጽ ዝኽእል ውሱን መጠን እትሰርሕ ምስእትኸውን፡ ሰሙናዊ ብመልክዕ ሚእታዊት ኢኻ ኣብ ጸብጻብካ ከተስፍሮ ዘለካ።

ዝሰራሕካዮ ተወሳኺ ሰዓታት ከምኡ ውን ብኲራት ዘይምሕባር

ብሚእታዊት ክግለጽ ዝኽእል ብኸፊል ተቖጺርካ እትሰርሕ ምስእትኸውን፡ ብሚእታዊት ከምዘለዎ ሰሙን-ሰሙን ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብካ ከተስፍሮ ኣለካ። ብሰንኪ ሕማም ወይ ውን ዝሓመመ ህጻን ንምእላይ ክትሰርሕ ዘይከኣልካዮ ሰዓታት ከምኡ ውን ዝሰራሕካዮ ተወሳኺ ሰዓታት ኣብ ጸብጻብካ ከተስፍሮ ኣለካ።

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝወሰድካዮ ዕረፍቲ-ወላዲ ዘይምጽብጻብ

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዕረፍቲ-ወላዲ ምስእትወስድ፡ ኣብ እዋናዊ-ጸብጻብካ፡ ክትጽብጽቦ ኣለካ።

ኣገዳሲ ምቅይያራት ምስዘይትሕብር

ምስ ኲነታትካ ዝተተሓሓዘ ኣገዳሲ ምቅይያራት ከጋጥም እንከሎ ምስዘይሕብረና፡ ዝተኸፍለካ ገንዘብ ክትመልስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኲነታት ሕልፍ ዝበለ ኮይኑ ምስዝርከብ፡ ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰልካ ክርገጥ ወይ ግዳይ ክሲ-ፖሊስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብ ከምዚ ንምድሓን ከኣ፡ እዋናዊ-ጸብጻብካ ብልክዕ ክትመልእን ኣገዳሲ ምቅይያራት ከጋጥም እንከሎ ኸኣ፡ ክትሕብረና ኣለካ። ዝኾነ ኣብ ጥርጥር ዘእትወካ ነገር ክገጥመካ እንከሎ፡ ክንሕግዘካ ክትውከሰና ትኽእል ኢኻ።

Dela:

Senast uppdaterad:

Senast uppdaterad:

Dela: